
Our Mission & Vision
1. ናይ ሓዋርያዊት ታሪኻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዶግማ፣ ቀኖናን ትውፊትን ንምዕቃብን ስብከተ ወንጌል ንምስፍሕፋሕን ኣብያተ ክርስቲያናት ንምብዛሕን፣
2. ቤተ ክርስቲያን ኩለመዳያዊ ኣገልግሎታ ማለት እውን መንፈሳዊ፣ኢኮኖሚያዊ፣ልምዓታዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ማሕበራዊ ወዘተ ንምቅልጣፍን ንምጥንኻርን ፣
3. ገዳማትን ሰበኻታትን ንምሕጋዝ ፣ ኣብያተ ክርስቲያናት ክተከሉ፣ ምእመናን ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽቡ ፣ ከምኡ’ውን ሕጋዊ መሰላት ቤተ ክርስቲያን ክዕቀብ። ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብሕግን ስርዓትን ክምራሕ፣ ሃብትን ንብረትን ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ከመሐደርን ክሕሎን፣ ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምግባር ካብቶም ኣገደስቲ ነገራት ብሓፂሩ እዙይ ይመስል::
ሃይማኖትና
ሉ ብዝኃዘ ሰማይን ምድርን ዝረአን ዘይረኣን ብዝፈጠረ። ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን።
ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድውን ነአምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ። ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፣ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ፣ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ፣ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ። ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቅለ፣ ሓመመ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ ሞተ፣ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ተንሥአ፣ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ’ ውን መወዳእታ የብሉን።
ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ አብ ብዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ነኣምን፣ ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ንሱ አብ ነብያት ሓዲሩ ዝተናገረ እዩ።
ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነኣምን።
ኃጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን።
ትንሣኤ ሙታንን ነቲ ዝመጽእ ዘለአለማዊ ሕይወትን ብተስፋ ንጽበ።
ቤተ ክርስቲያና (Our Church)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ
ቤተ ክርስቲያና እወ ቤት ሕይወት መርዓት ክርስቶስ። ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ክርስቶስ ገዛ፣ ክርስቲያን ተኣኪቦም ጉባኤ ማሕበር ዘካይዱላ ማለት እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር (ክርስቲያን) ቃል ወንጌል ዝመሃሩላን ተኣኪቦም ናይ ሕብረት ጸሎት ንፈጣሪ ዘዕሩጉላን ኣማናዊ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ዝህብ መግቢ ክቡር ስግኡን ደሙን መስዋእቲ ዝዓርገላ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተት ዋጋ ዝተኸፍላ ርእሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነት ኣማናዊት ቤት እያ።
እስከ ህላዌ ቤተክርቲያን ቅድመ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ንርአ፣- ቤተክርስቲያን ክትርአ ከላ ብምስጢር ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ትርአ። እታ ቐዳመይቲ፣ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበረት ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ዝነበረት ሓድነት እያ። እታ ካልአይቲ ድማ ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ካህን ዝነበረት እያ። እታ ሳልሰይትን መወዳእታን ድማ ብደም ክርስቶስ ዝተመስረተት ኣማናዊት ሓድነት ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ምሕረት ዓውዲ (ኣውደ ምሕረት) እያ።
እምብኣርከስ እዛ ምንጪ ጸጋን ጽድቅን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣመጻጽኣኣን ስማን ንርአ፣ ኣብ ዘመነ ብሉይ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ ዝግለጸሉ ዝተፈላለየ ኣስማት ነበረ ንኣብነት ከኣ ኣብ ዘዳግም ተገሊጹ ከም ዘሎ በዓላት እግዚኣብሔር ንምኽባር ዝእከቡ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል ”ከሃል” ወይ ኤክለስያ ይበሃሉ ነበሩ። ንብሉይ ኪዳን ናብ ጽርኢ ዝተርጎሙ 70 (ሰብዓ) ሊቃውንቲ እዮም። ከሃል ንዝብል ቃል እብራይስጢ ኤክለስያ ኢሎም ተርጊሞሞ ኣለዉ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ልዕሊ 90 ግዜ ተጻሒፉ ከምዘሎ ኣብ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን ተገሊጹ ከምዘሎ የረድእ። ዋና ትርጉሙ ድማ ኣብ ዘመነ ኦሪት ንዝነበረ ጉባኤ ሑሩያት ሕዝቢ እግዚኣብሔር ንዝኾኑ እስራኤላውያን ማለት እዩ። ኣብ ሓዲሽ ውን “ጽውዓት-ሑሩያት” ይብል (ማቴ 22፥14)።

Our Parish Council
A Parish Council is a body of practicing Orthodox Christians sacramentally in good standing with the Church, elected by the members of a parish for the purpose of working together with the priest in fulfilling the goals and needs of that parish. This brief description of a local governing body also describes the fundamental structure of the Orthodox Church. That the clergy and laity together are the "People of God," seeking, to the best of their human capabilities, to fulfill the mission entrusted to them by our Lord God and Savior Jesus Christ.