
Our Faith
Council members should imitate our Lord Jesus Christ, who “came not to be served but to serve” (Matthew 20:28)
ትምህርተ ሃይማኖት ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ.ክ ትግራይ
ምሥጢረ ሥላሴ
ሥላሴ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ከምዚ ሎሚ ዝምስገንዎ ዘለዉ ብሓድነትን ብሠለስትነትን ይምስገኑ ነይሮም እዮም። መን የመስገኖም ነይሩ፧ እንተ ተባህለ ብባሕርዮም ይምስገኑ ነበሩ፡ “ወአኮ ዘነኃሥሥ ስብሐተ እምዘ ፈጠርነ ስብሐቲነሰ እምኅቤነ ውእቱ”፡ ካብ ዝፈጠርናዮ ፍጥረት ምስጋና እንደሊ ኣይኮናን ምስጋናናስ ካብ ባሕርይና እዮ። (ቀሌምንጦስ) “ስብሐቲሁ ዘእምኅቤሁ ወውዳሴሁ እምዚኣሁ”: ምስጋናኡ ካብኡ ናይ ባሕርዩ እዩ ይብል። (ቅዱስ ዮሓንስ.ኣፈወርቒ . ኣብ ቅዳሴ )
መን ፈጠረና፧ ሥላሴ። ብመንከ ንኣምን፧ ብሥላሴ። ሥላሴ ክንደይ እዮም፧ ሓደ እዮም ሠለስተ ድማ እዮም። “እንዘ ኣሓዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሰለስቱ ኣሐዱ፡ ”ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ፤ ሠለስተ ከለዉ ሓደ፤ ብኣካላት ሠለስተ ይኾኑ ብመለኮት ከኣ ሓደ ይኾኑ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
ምሥጢረ ሥላሴ ዝኽፈልን፤ ዘይክፈልን እዩ፡ “ይትከፈሉ በአካላት ወኢይትከፈሉ በመለኮት። (ቅዱስ ባስልዮስ)፤ ሊሉያን እንበለ ትድምርት ወኅቡራን እንበለ ተሌልዮ” ብኣካላት ይፍለዩ ብመለኮት ግን ኣይፍለዩን
“አብሂ አብ ውእቱ ወኢኮነ ወልደ ወኢ መንፈስ ቅዱስ። ወልድሂ ወልድ ውእቱ ወኢኮነ አበ ወኢ መንፈስ ቅዱሰ። ወመንፈስ ቅዱስሂ መንፈስ ቅዱስ ውእቱ ወኢኮነ አበ፤ ወኢ ወልደ። ኢይፈልስ ስመ ኣብ ለከዊነ ስመ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወኢይፈልስ ስመ ወልድ ለከዊነ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ወኢይፈልስ ስመ መንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ኣብ ወወልድ”።
አብ ኣቦ ደኣ ይብሃል እምበር ወልድን መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን። ወልድ’ውን ወልድ ደኣ እዩ እምበር ፤ አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን። መንፈስ ቅዱስ’ውን መንፈስ ቅዱስ ደኣ እዩ እምበር አብን ወልድን ኣይኰነን። ስም አብ፤ ናብ ስም ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅየርን። ስም ወልድ ናብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅይርን። ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ፤ ናብ ስም አብን ወልድን ኣይቅየርን ይብል። (ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዘአንጾኪያ)።
ናይ ሠለስተነቶም ተግባር ከመይ እዩ እንተ ተባህለ፧
አብ ወላዲን ኣስራፂን ምዃኑ እዩ።
ናይ ወልድ ድማ ተወላዲ ምዃኑ እዩ።
ናይ መንፈስ ቅዱስ ከአ ሠራፂ ምዃኑ እዩ።
አብ ንወልድ እንተ ወለዶ ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ እንተ ኣሥረፆ፤ ከም ወልድ ኣይውለድን ከም መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣይሠርፅን፥ ወልድ ደማ ተወላዲ ደኣሉ እምበር ከም አብ ኣይወልድን ከም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣይሠርፅን፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሠራፂ እንተ ዀነ ከም አብ ኣይወልድን ከም ወልድ’ውን ኣይውለድን እዩ።
“አብሰ ኢተወልደ ኣላ ወላዴ ወልድ ውእቱ እምቅድመ ኵሉ ዓለም ወልድሂ ተወልደ እምእግዚአብሔር አብ እም ቅድመ ኵሉ ዓለም፣ መንፈስ ቅዱስሂ ሠረፀ እም እግዚአብሔር አብ ቅድመ ኵሉ ዓለም።”
አብ ዝተወልደ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ቅድሚ ዓለም ወላዲ ወልድ እዩ፤ ወልድ’ውን፤ ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ዝተወልደ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ዝሠረፀ እዩ፤ ከም ዝበለ፡ (ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ) ሠለስትነቶም እዚ እዩ።
ብኣካል ሠለስትነቶም ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ንአብ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎ፤ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ከኣ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎም።
“ነአምን ከም ቦሙ ለሥላሴ ምልክዐተ ጽዱቃተ ዘውእቶን አዕይንት ወአእዛን፤ አእዳው ፤ ወአእጋር ወኵሎንኬ እለ ተርፋ” መልክዕ ማለት ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ኢድ እግሪ ዝተረፈ’ውን ኵሉ ኣካላት እዩ እዚ ኵሉ ንሥላሴ ብሓቂ ከም ዘለዎም ንኣምን ከም ዝበሉ። (ሠለስቱ ምእት)
“አብኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ፤ ወልድኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ፤ መንፈስ ቅዱስኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ” አብ ብኣካልን፡ ብመልክዕን፡ ብገጽን ጐደሎ ዘይብሉ ፍጹም እዩ፤ ወልድ’ውን ብኣካልን፡ ብገጽን፡ ብመልክዕን ፍጹም እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣካልን፡ብገጽን፡ ብመልክዕን፡ ፍጹም እዩ ይብል።(ኣብሎዲስ ዘሮሜ)
ዳዊት ድማ ገጹ ለእግዚአብሔር ኅበ እለ ይገብሩ እኩየ። እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚአብሔር ኅበ ጻድቃኑ፤ ወእግዝኑሂ ኅበ ስእለቶሙ”፡ ገጽ እግዚአብሔር ናብ ክፉእ ዝገብሩ የብል፡ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ናብ ጻድቃን ይጥምታ፤ ኣእዛኑ ከኣ ንልመናኦም ጽን ይብላ። (መዝ.34፡15)
ናይ ሥላሴ ኣካል ከም ናይ ወዲ ሰብ ኣካል ገዚፍ ፤ ጸቢብ፤ ውስን ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ረቂቕቲ ከነሶም፤ ኣብ ኵሉ ምሉኣት እዮም። ምልኣቶምከ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ካብ ጽርሐ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ (ካብ ሰማይት ዝለዓለ ማለት እዩ)፡ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ ድማ መሠረቱ (ትሕቲ ምድሪ ማለት እዩ)፡ ካብ ኣድማስ ናብ ኣድማስ ስፍሐቱ ካብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ናብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ኢልካ ኣይንገርን(ኣይምርመርን)።
ሥላሴ ንዓለም ይውስንዎ እምበር ዓለም ንሥላሴ ኣይውስኖምን እዩ፡ “ንሕነ ናገምሮ ለኵሉ ወአልቦ ዘያገምረነ አልቦ ወኢምንትኒ እምታሕቴነ፤ እስመ ለኵሉ የዓውዶ ዕብየ ኃይልነ ፤ አልብነ ውሣጤ ወኣፍአ ፤ እስመ ንሕነ ውሳጤ ወአፍአ፡ወአልቦ ሰማይ ዘያገምረነ፤ ወኢምድር ዘይፀውረነ”።
ንሕና ደኣ ንዅሉ ንሽከሞ እምበር ንዓና ዝሽከም ዋላ ሓደ እኳ የለን፡ ካባና ንላዕሊ ፤ ወይ ካባና ንላዕሊ፤ ወይ ካባና ንታሕቲ ቦታ የለን፤ ናይ ባሕርይና ምልኣት ንኵሉ ይውስን እምበር ንናይ ባሕርይና ምልኣት ዝውስንስ ምንም የለን፡ ንዓና ዝሓብእ ውሽጢ ወይ’ውን ንዓና ዝገልጽ ኣፍ ደገ የለን፤ ውሽጢ ኮነ ወጻኢ ንሕና ኢና።
ንዓና ዝውስን ሰማይ ወይ ነዓና ዝሽከም ምድሪ የለን ከም ዝበለ፡ (ቀሌምንጦስ) “አልብነ ጠፈር ወአልብነ መሠረት ንሕነ ጠፈር ወንሕነ መሠረት” ካባና ንላዕሊ ሰማይ የለን ካባና ንታሕቲ ዝተመሥረተ ምድሪ’ውን የለን እዚ ብሐፂሩ ሰማይን ምድርን ኣብ ኢድ ሥላሴ ውሱን ማለት እዩ።
ርቀቶም ከመይ እዩ እንተ ተባህለ ካብ ኵሉ ነፋስ ይረቅቕ፤ ካብ ነፋስ ድማ ነፍሳትን መላእክትን ይረቁ።ካብ ነፍሳትን መላእክትን ከኣ ናይ መላእኽትን ሰብን ሓሳባት ይረቅቕ። እዚ ናይ ሓሳባቶም ርቀት ግን ብሥላሴ ወገን ከም ዓቢይ ገቦ እዩ ዝረአ ይብል።
“ቅጥነት ሕሊናሆሙሰ ለመንፈሳውያን በኅበ ቅጥነቱ ከመ እንተ ሥጋ ገዚፍ” ርቀት ሓሳባት መንፈሳውያን ብወገን ርቀት እግዚአብሔር ከም ግዝፊ ሥጋ እዩ ዝረአ ይብል። (ኣረጋዊ መንፈሳዊ)
በዚ ከም’ዚ ዝበለ ርቀቶም ኣብ ኵሎም ፈጡራን ህልዋትን ሕዱራትን እዩም፡ “ውስተ ዓለም ሀሎ ወዓለምኒ ቦቱ ኮነ” ኣብ ዓለም ኣሎ፤ ዓለም ከኣ ብእኡ ተፈጥረት። (ዮሓ. 1፡10)
“ንሕነ ንሬእዮ ለኵሉ ወኣልቦ ዘይሬእየነ እስመ ውስተ ኵሉ ንሕነ፣ ውስተ ኵሉ በሐውርት መለኮቱ” ንሕና ኣብ ኵሉ ህልዋት ስለ ዝኾና ንኹሉ ንርእዮ፤ ነዓና ዝርኢ ግን የልቦን ይብል። (ቀሌምንጦስ) (መዝ. 103)
ባሕርዮምከ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ዘይጠሚ፤ ዘይጸምእ፤ ዘይደክም፤ ዘይሓምም፤ ዘይመውት፤ ሕያው እዩ፡ “ስምከ ሕያው ዘኢይመውት ትጉህ ዘኢይዴቅስ ፈጣሪ ዘኢይደክም”፡(ሊጦን) ብኸም’ዚ ዝበለ ስምን፤ ብኸም’ዚ ዝበለ ተግባርን ኣካልን፤ ልቢ ከይቀደመ ብሓድነት ቃልን እስትንፋስን ከም ዝተረኽቡ፤ ስሞም ንኣካሎም ፡ ኣካሎም ንስሞም ከይቀደሞ፤ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካብ ኣብ ተረኽቡ።
“ወአካሎሙሂ ለሥሉስ ቅዱስ ወአስማቲሆሙ አልቦ ዘይቀድም ወአልቦ ዘይዴኅር አላ እሙንቱ ብለያነ መዋዕል እምቀዲሙ ዘእንበለ ጥንተ ወዘመን”።
ካብ ናይ ሥላሴ ኣካላትን ኣስማትን ዝቕድምን ዝድሕርን የለን፤ እንታይ ደኣ ንሳቶምሲ ቅድሚ መጀመርታ ዘመን ዝነበሩ እዮም ከም ዝበለ።(ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንከራት)
ቀዳምነቶም ንዅሉ ዘመን ይውስኖ እምበር ዘመናት ንቐዳምንቶም ኣይውስኖን፡ “አልብነ ጥንት ወኢተፍጻሜት ወኢይትዓወቅ መዋዕሊነ እስመ እምቅድመ መዋዕል ንሕነ”።
ቅድሚ ኣዝማናት ዝነበርና፤ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብልና ስለዝኾና፡ መዋዕልና ዝፍለጥ ኣይኰነን ይብል።(ቀሌምንጦስ)
ንምሥጢረ ሥላሴ ዝቐርቡ ምሳሌያት፡
መጀመርታ ዝቐርብ ምሳሌ፤ እግዚአብሔር ብመልክዑን ብኣርኣያኡን ንዝፈጠሮ ሰብ ናይ ምሕሳብን ምዝራብን ምትንፋስን ክእለት ዘለዎ እዩ፡ ስለ’ዚ ምሕሳብ ብአብ፤ ምዝራብ ብወልድ፤ ምትንፋስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። ዘረባ ካብ ሓሳብ ዝውለድ ካብ ሓሳባት ከይተፈልየን ከይተቛረጸን እዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስቕ ኢሉ ዀነ ወይ እናተዛረበ ኵሉ ጊዜ ቃላት ምስኡ እዮም እምበር ካብ ሓሳቡ ኣይፍለዩን ወይ ኣይቛረጹን እዩም።
ሰለ’ዚ ዘለዓለማዊ ወልድ ካብ አብ ምውላዱ ከይተፈልየ ደኣሉ እምበር ምስ ተወልደ ተፈልዩ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ልቢ ወይ ድማ ሓሳብ ከምኡ’ውን ናይ ዘረባ ቃላት ነፍሲ ምህላዎምን እዚ ነፍሲ እዚ ከኣ ሕይወቶም ምዃኑን ዘተፈልጠ እዩ።
ከምኡ ድማ ንአብን ፤ ንወልድን ፤ መንፈስ ሕይወት ማለት እስትንፋስ ኣለዎም። ንሱ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ፤ ቃል ወይ ዘረባ ዝርከብ ሓሳብን ሕይወትን ከህሉ ኰሎ እዩ፤ ሓሳብ ወይ ልቢ ምስ ኣብ ውሽጢ ልቦና ዘለዉ ቃላትን እስትንፋስን ሓደ እዩ፤ ከምኡ’ውን ሕይወት ወይ እስትንፋስ ኣብ ዘሎ ሓሳባትን ናይ ዝርርብ ቃላትን ሓቢሮም ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ፡
ከምኡ ድማ እዞም ሠለስተ ኵነታት ማለት ሓሳብ ናይ ዝርርብ ቃላትን እስትንፋስን ወይ ሕይወት ሓቢሮም ከም ዝነበሩ ማለት ሓደ ካብ እዚኣቶም እንድሕሪ ኣልዩ ካልኦት ክህልዉ ግድን እዩ እሞ መረድኢ ሰለ ዝኸውን ሠለስቲኦም ብሓደነት ደኣ እዩም ዝነብሩ እምበር እቲ ሓደ ካብ ሓደ ክቕድም ኣይክእልን እዩ፡ ወይ ድማ ሓደ ብድሕሪት ስዒቡ ክበሃል ኣይከኣልን።
በዚ ኣብነት እዚ አብን ወልድን፤ መንፈስ ቅዱስን ከም ቋሕ ሰም ንዝኣክል ጊዜ እኳ ኣይቀዳደሙን እዩም። ሓደ ሰብ ዘረባኡ ንኻልእ ሰብ ከስምዕ ዝደሊ ብመልሐሱ ዘረባኡ ይገልጽ እሞ ናብ ሰማዕቱ ዘብጽሐሉ ምክንያት ካብ ሓሳቡ ከይተቛረጸን ከይተፈልየን እዩ።
ከምኡ ደማ ዘልዓለማዊ ዝዀነ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ንሱ ደማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንደቂ ሰብ ክግለጽ ብዝደለየ ጊዜ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም መለኮቱን ትስብእቱን ኣዋሃሂዱ ዝተወልደሉ ምኽንያት ካብ ዘልዓለማዊ ኣብኡ ከይተፈላለየን ርክቡ በዘይ ምቊራጽን እዩ።
ናይ ሥላሴ ሓደነትን ሠለስትነትን፤ በነፍስን ብእሳትን፤ ብፀሐይን ፤ ብባሕርን ይምሰል። ነዚኦም ኵሎም ሠለስተ ባሕርያን ኣለዎም።
ናይ ነፍስና ሠለስተነት ልብን፤ ቃልን፤ እስትንፋስን እዮም። እዚ ሰብ’ዚ ኣእምሮኛ እዩ ክብሃል ኰሎ- ልቡ ተዛራቢ ክብሃል ከሎ፦ ቃሉ ሕይወታዊ እዩ ክብሃል ከሎ- እስትንፋሱ ምግላጽ እዩ።
ናይ እሳት ሠለስትነት ኣካሉ፤ ብርሃኑ፤ ሙቐቱ እዩ፡
- ኣካሉ ማለት፤ እንሆ እሳት ኣምጽእ
- ብርሃኑ ድማ፤ ኣብርህ፤
- ሙቐቱ ድማ፣ ንሙቕ ኢሉ ክዝረብ ከሎ እዩ፡
እዚ ድማ ብኣካሉ አብ ፤ ብብርሃኑ ወልድ ፤ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ።
“አቡየ እሳት ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ”። (ቀሌምንጦስ) አብ እሳት፤ ወልድ እሳት፤ ወመንፈስ ቅዱስ እሳት አሐዱ ውእቱ እሳተ ሕይወት ዘእም አርያም”፡ አብ እሳት እዩ፤ ወልድ እሳት እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን እሳት እዩ፤ ኣብ ኣርያም ዝነብር ሓደ ናይ ሕይወት እሳት እዩ። (ቅዳሴ ማርያም)
ናይ ፀሐይ ሠለስትነት ከኣ ክበቡ፤ ብርሃኑ ፤ ሙቐቱ እዩ።
- ብኽበቡ አብ
- ብብርሃኑ ወልድ
- ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
“አቡየ ፀሓይ ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ። ወውስተ ፀሐይ ሤመ ጸላሎቶ”፡ ምሳሌኡ ብፀሐይ ገበረ ይብል።(መዝ።9፡4)
“አብ ፀሐይ ፤ ወልድ ፀሐይ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ፀሐይ አሐዱ ውእቱ ፀሐየ ጽድቅ ዘላዕለ ኵሉ”።
አብ ፀሐይ እዩ፤ ወልድ ፀሐይ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ፀሐይ እዩ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነ ሓደ ሓቀኛ ፀሐይ እዩ ይብል። (ቅዳሴ. ኣባ ሕርያቆስ)
ናይ ማይ ሠለስትነት ድማ ኣካሉ፤ ጣዕሙ፤ ዛሕሉ (ጠሉ)
- ብኣካሉ አብ
- ብጣዕሙ ወልድ
- ብዛሕሉ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
“አብየ ማይ ፤ ወአነ ጣዕሙ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ሕይወቱ”። (ቀሌምንጦስ)
ናይ ባሕሪ ሠለስትነት ከኣ ስፍሓቱ ፤ ጠሉ፤ተንቀሳቓስነቱ።
- ብስፍሐቱ አብ
- ብጠሉ ወልድ
- ብተንቓሳቅስነቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
ነገር ግን እዚኣቶም ሓደ ነፍሲ፤ ሓደ እሳት፤ ሓደ ፀሐይ፤ ሓደ ማይ፤ሓደ ባሕሪ እዮም ዝበሃሉ እምበር ሠለስተ ኣይበሃሉን።
ሥላሴ ግን ብኣካል፤ ብስም፤ ብግብሪ ሠለስተ እንተ ተባህሉ ብባሕርይን፤ ብሕልዉናን፤ ብፍቃድን ብመለኮትን ሓደ ደኣሎም እምበር ሠለስተ ኣይብሃሉን እዮም። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ፤ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ግን ሓደ እዮም፡ ከም ዝበሉ።(ሠለስቱ ምእት)
ከምኡ’ውን አብ ብልቢ፤ ወልድ ብቓል፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ ይምሰሉ፡ “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልኣምድረ፤ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት፤ ወእምስትንፋሰ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ”።
ብናይ እግዚአብሔር ይቕሬታ ምድሪ መሊኣ ማለት ምድሪ ፈጠረ። ይኹን ብዝበሎ ቃል ከኣ ሸውዓተ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘለዉ ፈጥረታት ብረቂቕ ሥልጣኑ ተፈጢሮም ጸኒዖም ይነብሩ። (መዝ.33፡6)
እዚ ሰለ ዝዀነ ንወዲ ሰብ ብዝከኣል መጠን ምግላጽን ምርዳእን እዩ እምበር ካብ ፍጡራት ወገን ንሥላሴ ዝኣክል ምሳሌ የለን፡ ዝተመሰለ እንተ ተመሰለ ከኣ (ሕጸጽ) ጉድለት ዘለዎ ምሳሌ እዩ፡”ወአልቦ ዘይከዉን ከማን ወአልቦ ዘይትማሰልነ እስመ ምልዕልተ ኵሉ ንሕነ”።
ልዕሊ ኵሉ ስለ ዝዀና፤ ከማና ዝኸውን ወይ ነዓና ዝመስል የለን ይብል። (ቀሌምጦስ)
ካልኣይ ከኣ፣- አብ ብልቢ፤ ወልድ ብቓል፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ ሰለ ዝተመሰሉ፤ ንአብ ዝተፈልየ ቃልን እስትንፋስን፤ ንወልድ ዝተፈልየ ልብን እስትንፋስን ንመንፈስ ቅዱስ ዝተፈልየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።
እንታይ ደኣ እቲ ሓደ ኣብ’ት ሓደ ህልዋት እዮም፡ አብ ብልብነት፤ ኣብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ህልዊ እዩ፤ ወልድ ብቓልነት፤ ኣብ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዊ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ኣብ አብን ወልደን ህልዊ እዩ፡ “አብኒ ህልው ውእቱ በወልድ ወበመንፈስ ቅዱስ ህልው ውእቱ ብአብ ወበወልድ” ይብል። (ቅዱስ ፊላታዎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስከንድርያ)
“እመኑ ከመ አነ በአብ፤ ወአብ ብየ፡” ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፤ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ምህላዉ እመኑ ይብል። (ዮሐ.14፡11)
አብ ፤ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ልቦም እዩ፤ ወልድ ኸኣ ንኣብን ንመንፈስ ቅዱስን ቃሎም እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኣብን ንወልድን እስትንፋሶም እዩ። ስለ’ዚ ብአብ ለባውያን፤ ብወልድ ነባቢያን፤ በመንፈስ ቅዱስ ሕያውያን ይብሃሉ፡ “አብኒ ልብናሆሙ ውእቱ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስ ወልድኒ ቃሎሙ ወቱ ለአብ ወለመንፈስ ቅዱስ፤ ወመንፈስ ቅዱስኒ ሕይወቶሙ ውእቱ ለአብ ወለወልድ፡”። (ቅዱስ ኣብሎዲስ ዘሮሜ)
ሰለ’ዚ ሥላሴ ከም ሓደ ልቢ ኰይኖም የሓስቡ ፤ ከም ሓደ ቃል ኰይኖም’ውን ይዛረቡ፡ ከም ሓደ እስትንፋስ ሕያዋን ኰይኖም’ውን ዝደለይዎ ይፍጽሙ ዳ እምበር ፍልልይ የብሎምን።
“ወአኮ ኣብ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር፤ ወልድኒ አኮ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር ፤ ወመንፈስ ቅዱስኒ አኮ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር ፤ አላ ዘፈቀደ አብ ይፌጽምዎ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወምግባሮም አሓዱ ውእቱ” ።
አብ ብርእሱ ንበይኑ ዝገብሮ የብሉን፤ ወልድ’ውን በይኑ ብርእሱ ዝገብሮ የብሉን፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን በይኑ ብርእሱ ዝገብሮ የብሉን ። እንታይ ድኣ ተግባሮም ሓደ ሰለ ዝኾነ ፤ ኣብ ዝፈቀዶ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይሠምርዎ ይብል። (ቅዱስ ኪራኮስ ዘኣንጾኪያ)
ሓደ ነገር ከኣ ብሓድነት ኮነ ብሠለስትነት ክረኣዩ ከለዉ እዚ አብ እዩ ፤ እዚ ደማ ወልድ እዩ ፤ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢልካ ፈልኻ ንምልላይ ኣይከኣልን፡ እንታይ ደኣ ንሓደ ርኢኻ ምእማን እዩ ዘሎ፡ “ዘርእየ ኪያየ ርእዮ ለአብ፡ አነ ወአብ አሐዱ ንሕነ” ንዓይ ዝረኣየ ንአብ ረኣየ፤ ኣነን አብን ሓደ ኢና፤ ኣነ ኣብ ኣቦ ህልው ከም ዝዀነኩ ፤ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ህልዊ ከም ዝኾነ እመኑ ከም ዝበለ። (ዮሐ.14፡9-11) “እመኑ ከመ አነ በአብ ወአብ ብየ”
እዚ ናይ ብኣካላት ሠለስተ ምዃኖም ዘረድእ ክኸውን ዀሎ።
ናይ ሓድነቶም ነገርከ ብምንታይ እዩ እንተ ተባህለ ብባሕርይ ፤ብመለኮት ብብርሃነ መንግሥት፡ ብእግዚአብሔርነት፤ ብኣምላኽነት ይብል፡ “አሐዱ መለኮት እስከ ለዓለም፤ አሐዱ እግዚአብሔር አሐቲ መንግሥት” መንግሥቱ ሓንቲ ዝዀነት ዘልዓለማዊ ሓደ እግዚአብሔር ከም ዝበሎ። (ሠለስቱ ምእት)
በዚ ነገር እዚ ደማ ሓደን ሠለስተን ይዀኑ እዮም፡ “ሠለስቱ ህላዌ በአካላት፤ ወአሐዱ ህላዌ በመለኰት፤ ዝውእቱ ሃይማኖትነ” ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ሓደ ፤ እዚ እዩ እምነትና ይብል። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
“ወአልቦ በውስተ ቅድስት ሥላሴ ግብርናት ወኢተግንዮ፤ ወኢይትሌዕል አሐዱ እምካልኡ በመለኮት ወኢያኤዝዞ አሐዱ ለካልኡ በሥልጣን ዘከመ ተላአኪ አላ ዕሩያን እሙንቱ በአሐዱ ክብር ወመለኮት”።
ኣብ ቅድስት ሥላሴ ገዛኢን ተገዛኢን የለን። ብመለኮት ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፍለ ኣይኰነን፤ ብሥልጣን’ውን ከም ለኣኺን፤ ተለኣኺን ሓደ ነቲ ሓደ ዝእዝዞ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ብኽብርን፤ በመለኰትን ማዕረ እዮም ከም ዝበለ። (ቅዱስ ሳዊሮስ ብሃይማኖተ ኣበው)
ምሥጢረ ሥላሴ ሓደ ጊዜ ተነጊሩ ጥራይ ኣይተረፈን እንታይ ደኣ ካብ ዘመነ ኦሪት ጀሚሩ በብጊዜኡ ክንገርን ኪመሀርን ዝጸንሐ እዩ።
መጀመርታ ሥላሴ ንኣዳም ክፈጥርዎ ከለዉ “ንግበር ሰብኣ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” በሉ፡ ንግበር ማለቶም ሠለስተ ምዃኖም፡ ብመልክዕናን ብምስልናን ኢሎም ከኣ ሓደ ምዃኖም ተዛረቡ። ( ዘፍ 1፡26 ) ።
ከምኡ ደማ ንዑ ንረድ ወንክዕው ነገሮም ለከለዳውያን፡ ንዑ ንውረድ ኢሎም ሠለስትነቶም ተዛረቡ፡(ንዑ ንግበር ፤ ንዑ ንረድ እዚ እኳ ሓደ ነርባዕተ ነሓሙሽተ’ውን ክብሎም ስለ ዝከእል ናይ ሓድነቶምን ሠለስትነቶምን አይረድእን እዩ እንተ ተባህለ ካብዚ ግልጺ ዝዀነ ቓል፡) ኣነ ውእቱ እግዚአብሔር አምላኽ፤ ኢሉ ከኣ ሠለስትነቱ ገለጸ።(ዘፀ.3፡6)
ከሙ’ውን ነቢይ ዳዊት “ዐቢይ እግዚአብሔር ፤ ወዐቢይ ኃይሉ፤ ወአልቦ ኊልቊ ለጥበቢሁ”፡ (መዝ።147) ዐቢይ እግዚአብሔር ዝበሎ አብ፤ ወዐቢይ ኃይሉ ዝበሎ ወልድ፤ ወአልቦ ኊልቊ ለጢበቢሁ ዝበሎ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
ኣብ ካልእ ዓንቀጽ’ውን ከም’ዚ ይብል፡ “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ፤ ወብቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት፤ ወእምእስትንፋሰ አፍሁ ኲሉ ኃይሎሙ” ምድሪ ብይቕሬታ ብሕያውነት እግዚአብሔር አብ መልአት፤ ብኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ፤ ብረቂቕ ሥልጣን ኣካላዊ ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ከኣ መላእኽትን ደቂ ኣዳምን ጸንዖም ይነብሩ ኣለዉ ይብል። (መዝ.33)
ነቢይ ኢሳይያስ’ውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወመድረ ቅድሳተ ሰብሐቲከ፡” ቅዱስ፤ ቅዱስ፤ ቅዱስ ኢሉ ሠለስተነቶም እግዚአብሔር ኢሉ’ውን ሓደነቶም ተዛረበ። (ኢሳ.6፡3)
ከሙ’ውን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ፤ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ” “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክወርድ እዩ፤ ኃይሊ ልዑል’ውን ኬጽልለኪ እዩ፡
መንፈስ ቅዱስ፤ መንፈስ ቅዱስ እዩ፤ ኃይሊ ማለት ወልድ እዩ፤ ልዑል ማለት አብ እዩ፤ (ሉቃ.1፡35) ዮሐንስ’ውን ብራእዩ “እለ ጽሑፍ ወስተ ፍጽሞሙ ስሙ፤ ወስመ አቡሁ ፤ወስመ ቅዱስ መንፈሱ” ይብል። (ራእ.14፡1)
ልዕሊ ኹሉ ድማ፣ ሽሕ ፈልጺ ፤ መእሰሪኡ ልሕጺ ከም ዝብሃል፤ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ወእንዘ ታጠምቅውሙ በሉ በስመ አብ ፤ ወወልድ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ” ከተጠምቕዎም ከለኹም ብስም አብን ፤ ወልድን ፤ መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቕዎም ኢሉ ሠለስትነቶም ኣረዲኡ ኣሎ።(ማቴ 28፡19)
“እመቦ ዘዕቀበ ቃልየ አነ ወአቡየ ንመጽእ ኅቤሁ ወንገብር ምዕራፈ ውስቴቱ፡ ወባሕቱ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ጽድቅ ዘይፌኑ አብ ብስምየ ውእቱ ይሜህረክሙ ኲሉ”።
ትእዛዛተይ ዝሕሉ እንተልዩ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ ፤ ናቡኡ መጺእና መሕደር ክንገብር ኢና ምስ በለ፤ እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጽናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ኹሉ ክምህረክም እዩ ኢል ገሊጹ ኣሎ።(ዮሓ. 14፡23-26)
ይኹን ደኣ እምበር ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ምሥጢር ናይ ፍጡር ልቢ መርሚሩ ሰለ ዘይረኽቦ “ንእመን ዘንበለ ተኃሥሦ”፡ ካብ ዝተጻሕፈልና ከይሓልፍና ብዘይምምርማር ንእመን ኢሎም ኣለዉ፡ (ሠለስቱ ምእት) “ኢንኅሥሥ ዕበያቲሁ ወኢንጠናቀቅ ምዕምቅቲሁ”፡ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ’ውን ጐይትነቱን ዕቤቱን ኣይንመራመር ይብል።
እዚኣቶም ዝበልዎ መሠረት ብምግባር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ምምርምር ገዲፍና ዝተጽሕፈልና ጥራይ መርሚርና ተረዲእና ንስኻ ትፍልጥ ኢልና ሃይማኖትና ምስ ናይ ተግባሩ ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ይግብኣና።
ምሥጢር ሥላሴ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ እዚ እዩ፡ ካብ’ዚ ቀጺሎ ምሥጢረ ሥጋዌ
ይስዕብ።
ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
፤ ብዘይ ምሕዋስ ፍሉያት ብዘይ ምፍልላይ’ውን ሓደ ይብሉ።(ሠለስቱ ምእት)
ሠለስትነቶም ብምንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ፡ ብስም፤ ብግብሪ፤ ብኣካል። ሓድነቶም’ከ፧ ብባሕርይ፤ ብመለኮት፤ ብህልውና፤ ብፍቓድ፤ ብሥልጣን እዩ። ናይ ሠለስትነቶም ስም እንታይ እዩ፧ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ። ናይ ሓድነቶም ስም’ከ፧ እግዚአብሔር፤ ኣምላኸ፤ ኣዶናይ፤ ጸባዖት፤ ፈጣሪ እዩ። “ሠለስቱ ስም አሐዱ እግዚኣብሔር” ሠለስተ ኣስማት ሓደ እግዚአብሔር፡ (ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ)።
አብ ኣቦ ደኣ ይበሃል እምበር፤ ወልድን፤ መንፈስ ቅዱስን ኣይበሃልን። ወልድ፤ ወልድ ይብሃል እምበር አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይበሃልን። መንፈስ ቅዱስ’ውን መንፈስ ቅዱስ ይብሃል እምበር አብን ወልድን ኣይበሃልን።
ምሥጢረ ሥጋዌ
ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ዘልዓለማዊ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰብ ዝዀነሉ ማለት ናይ ሰብ ሥጋ ዝለበሰሉ ምሥጢር እዩ።
እግዚአብሒር ንኣዳም ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባሕርያት ፈጢሩ ብመንፈስ ቅዱስ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ብዘይካ ሓንቲ ኦም በለሰ ኵሉ ወንኑ ብልዑ ስተዩ ኢሉ ኣብ ገነት ኣቐመጦም፡ ነታ ኦም እቲኣ’ውን ነፊግሎም ኣይኰነን እንታይ ደኣ ናቱ ገዛእነትን ናታቶም ተገዛኢነትን ንኽፈልጡ ንመጻኢ’ውን ሥርዕት ጾም ንኽምህሮም እዩ።(ዘፍ.2፡6-7)
ሸውዓተ ዓመት ትእዛዙ ሓሊዎም ብውሉድነት ጸኒዖም ክነብሩ ኸለዉ ብድሕሪኡ ግን ናይ ከይሲ ምኽሪ ሰሚዖም ፤ ኣምላኽነት ተመንዮም ትእዛዙ ኣፍረሱ፤ ካብ’ታ ኣይትብልዑ ዝበሎም ኦም በሊዖም፤ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈርዶም፤ “ሞት ግን ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ኣብኣቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ኣብ ዝገብሩን ዘይገብሩን ነጊሡ ነበረ’’። (ሮሜ .5፡14)
ብድኅሪ’ዚ ጽቡቕን፤ ክፉእን ፤ ነዊሕን ፤ ሐጺርን ፤ ቀይሕን ፤ ጸሊምን፤ ምግቡ እንተ በላዕካዮ ደዌ ሥጋ ፍልጸት ፤ቅርጸት ፤ መንፋሕቲ ፤ ቅርጥማት፡ ደዌ ነፍሲ ኸኣ ዝሙት፤ ኃጢኣት ኣብ ዝነግሠሉ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ ሰደዶም “ወተሰዱ ውስተ ምድረ ሕማም ወኣራያ ሕሱም ወኃሣር ወሲሳየ ኃዘን” ከም ዘበለ። (መቅ.ወንጌል)
ነገር ግን ኣብ ጐድኒ ቁጥዓኡ ምሕረቱ ከም ዘሎ ፈሊጦም ተጣዒሶም ሚእቲ ዓመት ንስሓ ኣትዮም በኸዩ፤ “ወኮኑ ውስተ ኃዘን ምእተ ዓመት”፡ ብፍጥረቱ ጨኪኑ ዘይጭክን ጐይታ ንስሓኦም ርእዩ ተቐቢሉ ብኽያትቶም ሰሚዑ። “በሐሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ፤ ወእከውን ሕፃን በእንቲኣከ፤ ወእድህከ ውስተ ምርህብከ፤ ወእትቤዘወከ በመስቀልየ፡” ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ምእንታኻ ሕፃን ኰይነ ኣብ ጐላጒልካ ፍሑኽ ፍሑኽ ኢለ ብመስቀለይ ክብጀወካ እየ ክምዝበለ።(ቀሌምንጦስ)
እቲ ተስፋ ንደቁ ነጊርዎም ነበረ፣ ደቁ ኸኣ ትንቢት እናተነበዩ ሱባዔ እናቘጸሩ ከም’ቲ ዳዊት ዝበሎ። “አንሥእ ኃይለከ ፈኑ እዴከ” ኃይልኻ ዝተባህለ ወልድ ብሥጋ ሰዲድካ ኣድሕነና። (መዝ.144፡7)እናበሉ እቲ ተስፋ እቲ እናተጸበዩ በብተራ ሓለፉ፡ ሓሙሽተ መዓልቲ ፈረቓን ዝበሎ ግን ብእግዚአብሔር ኣቋጻጽራ ሰዓት 5500(ሐሙሽተ ሽሐን ሓሙሽተ ምእቲን ዓመት) እዩ ዝነበረ። (መዝ.90፡4 ፡ 2ይጴጥ.3፡8) እቲ ዝተባህለ ዓመት ምስ ኣኸለ። ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝህቦ ተስፋ ዘይከልእ እግዚአብሔር ሓደ ሰዓት ወይ ደቒቕ ከየሕለፈ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፤ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፤ ብዘመነ ዮሐንስ ብዕሥራን ትሽዓተን መጋቢት፤ ብሣልሳይ ሰዓት ፤ ብዕለተ እሁድ ተፀንሰ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ብዘመን ማቴዎስ ዕሥራን ትሽዕተን ታሕሣስ ሠሉስ መዓልቲ፤ ፍርቂ ለይቲ ተወልደ።
ብዳሕራይ ዘመን ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ መጀመርታ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ቃል ማንም ከየገደዶ ብናቱን ብናይ ኣብኡን ብመንፈስ ቅዱስን ፍቓድ ሰብ ኮነ፤ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው መላእኽቲ ሰብ ከም ዝኾነ ምንም ኣይፈለጡን፤ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ዝተወልደት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሐደረ፤ ሥጋ ዘይብሉ ንሱ ሥጋ ተዋሒዱ ከም ሰብ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ብጐይትነቱ ኰሎ ኣብ ማኅፀና ተወሰነ፤ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ምስ ተፈጸመ፣ ዝውለደሉ መዓልቲ ምስኣኸለ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፤ ማኅተመ ድንግልናኣ’ውን ኣይተለወጠን ማኅተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ደኣ ተወልደ። (ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ሃይማኖተ ኣበው 212 ገጽ)
ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽቡቕ ተግባር ዝገበሩ ቅዱሳን ሓዋርያት ሰማዕታት ኵሎም ከም ዘኣመንዎም እምነት ከምኡ ኢና ንኣምን፤ “ቃል ሥጋ ኮነ” መናፍቃን ከም ዝብልዎ ኣብ (ዕሩቅ ብእሲ) ተራ ሰብ ኣይሓደረን። ብናቱ ፍቓድ፤ ብናይ ኣብኡን፤ ብናይ መንፈስ ቅዱስን ድልየት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ ተዋሃሃደ፤ ከም’ቲ ዝተጻሕፈ ኵሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ናይ ኣብ ኣካልዊ ቓል ፍጹም ሰብ ኰይነ ተወልደ።(ገላ.4፡4) ዝተባህለ ነስተውዕል እግዚኣብሔር ካባና ባሕርይ ዝተዋሃሃዶ ተዋሕዶ ንእሽቶ ክብሪ ኣይምሰለና፤ እዚ ንመላእኽቲ እኳ ኣይተገብረን፤ ናይ መላእኽቲ ባሕርይ ኣይተወሓሃደቶን ዝተዋሃሃደቶስ ናትና ባሕርይ እያ ንሱ’ውን ንባሕርይና ደኣ ተውሃዳ ንምንታየይ ኣይበለን። (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቂ ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 219፡21)
ካብ ሠለስተ ኣካላት መን እዩ ዝተወልደልና እንተ ተባህለ እግዚአብሔር ወልድ እዩ፤ ስለምንታይ አብን ፤ መንፈስ ቅዱስን ተወሊዶም እንተ ዝብሃልከ ናይ ባሕርይ ስሞምን ተግባሮምን ምተፋለሰ ነይሩ። ከም’ዚ ከይከውን ግና እግዚኣብሔር ወልድ ብናይ ባሕርይ ስሙን ብናይ ባሕርይ ግብሩን ንምጽዋዕ ብሥምረቱን ድልየቱን ብጀካ ኃጢኣት ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ። “ወአኮ አብ ዘኃደረ ውስተ ከርሠ ድንግል ለተሰብአ፤ ከመ ኢይበል መኑሂ ይትፋለሰ ስመ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ወልድ፤ ኣላ ውእቱ ወልድ በፈቃደ አቡሁ ወበሥምረተ መንፈስ ቅዱስ ተሠገወ እስመ አሐቲ ፈቃደ ዘሥሉስ ቅዱስ” ። ማንም ሰብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን፤ ናብ ስም ወልድ ንምዃን ተቐያሪ እዩ ንኸይበሃል፤ ኣቦ፥ ሰብ ንምዃን ኣብ ማኅፀን ድንግል ኣይሐደረን፤ እንታይ ደኣ ፍቓድ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ስለ ዝኾነ ወልድ ብፍቓድ አብን፤ ብሥምረት መንፈስ ቅዱስን እዩ ሥጋ ዝተወሃሃደ። ይብል። (ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ)
ከም’ዚ ሰለ ዝተባህለ ግን አብ ንምጽናዕ፤ ወልድ ሥጋ ንምውህሃድ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንምንጻሕ ፤ ኣብ ከርሢ እግዝእትነ ማርያም ኃደሩ ንብል ነኣምን’ውን። መንፈስ ቅዱስ ንእግዝእትነ ማርያም ኣንጺሕዋ ይብል ካብ ምንታይ ኣንጺሕዋ ማለት እዩ እንተ ተባህለ ካብ ናይ ኣንስቲ ልማድ፤ ካብ ዘርእን፤ ርኳቤን “ውእቱ ንጹሕ እምሠለስቱ ግብራት ዘውእቶሙ ዘርእ፤ ውሩካቤ፤ ወሰስሎተ ድንግልና፤ እለ ሥሩዓን በእጓለ እመ ሕያው ወእሙራን ቦሙ”። ንሱ ኻብ’ቶም ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዉ ፍሉጣትን ሥሩዓት ዝኾኑ ሠለስተ ተግባራት ዘርእን ፤ ሩካቤን ንጹሕ እዩ ይብል ። (ስኑትዮ ዝእስክንድርያ)
ነገር ግን እዚ ዀሉ ኣብ እግዝእትነ ማርያም ኔሩ ኣይኮነን ንሳስ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይረኽባ ንጽሕቲ ባሕርይ እያ፡ “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ድንግል ብኅሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ” ይብላ፡ (ሃይማኖት ኣበው)። እዚ ዝተብህለ ናይ ደቂ ኣዳም ሥርዓት ንኽይበጽሓ ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ቀዲስዋ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምውላድ ኣብቂዕዋ ንማለት እዩ፡ “ መንፈስ ቅዱስ አንጽሐ ለማርያም ወረሰያ ድሉተ ለተወክፎ ቃል አብ” ከም ዝበለ፡ (ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ)
ቅዱስ ገብርኤል መልኣኸ ክትፀንሲ ኢኺ፤ ወዲ’ውን ክትወልዲ ኢኺ ምስ በላ ንሳ’ውን ከም’ቲ ዝበልካኒ ይኵነለይ ምስ በለቶ፣ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብዘይውሱን ኣካል ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን ንዘልዓለም ዝነብርን ኣካላዊ ቃል ብምልኣትን ብጐይትነትን ካብ አብን መንፈስ ቅዱሱን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ብድንግልና ጸኒዓ ካብ ዝነበረትን ዘላን ንዘለዓለም’ውን ትነብርን ካብ ኣዴና ቅድስት ደንግል እግዝእትነ ማርያም ብናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሪ ናይ ዕለት ፅንሲ ኾነ፡
“ነሥአ ሥጋ እንዘ ምሉእ በኵለሄ እንዘ ኢየዐርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ፤ ውስተ ማኅፀነ ድንግል ኅደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ”
ኣብ ኵሉ ምሉእ ኰሎ ሥጋ ንምልባስ ኣብ ማኅፅን ተወሰነ፤ ካብ ናይ ሥልጣኑ መንበር ከይለቐቐ ኣብ ማኅፀን ድንግል ሓደረ፤ ሥጋ ለቢሱ ኸኣ ተወልደ ይብል፡ (ያሬዳዊ መዝሙር(ድጓ)) ናይ ዕለት ፅንሲ ኮይኑ ዝተቈጽረሉ ምሥጢር ግን ዝፈልጦን ዝምርምሮን የለን፤ ንሱ ብዝፈልጦ እዩ ኣካላዊ ቃል ሰብ ዝኾነ። “ወአሜሃ ሥጋሁ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሥዕለ በጥንተ ኣካል እንዘ ይትወሐድ ምስለ ቃል”።
ሽዑ ሥጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣካላዊ ቃል ብምውሕሃድ ብጥንታዊ ኣካል ኣዳም ተፈጥረ ይብል ። (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቒ)
በቲ ጊዜ እቲ ሥጋ ምስ ቃል ተወሃሃደ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኾነ “ወረሰዮ ምስሌሁ አሐደ ህላዌ ወአሕደ ሥምረተ ወአሐደ አካለ ዘእግዚአብሔር ቃል’’ (ቅዱስ ጎርርዮስ ዘኑሲሰ)።
ስለ’ዚ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ፤ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ከኣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፤ ረቂቕ ዝነበረ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ግዙፍ ዝድህሰስ ኾነ፤ ግዙፍ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ረቂቕ ኮነ ፤ ወሰን ዘይነብሮ መለኮት ብሥጋ ውሱን ኮነ፤ ውሱን ዝነበረ ሥጋ ብመለኮት ዘይውሱን ኣብ ኵሉ ምሉእ ኮነ ፡ ወልድ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ፥፡ ክልተ ልደት ብምውህሃድ ኸበረ፤ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ባሕርያዊ ወዲ እግዚአብሔር ኮነ።
“ወይደልወነ ንእመን ከም ቦቱ ለወልደ እግዚአብሔር ክልኤቱ ልደታት ቀዳሜ ልደት እምእግዚአብሔር አብ ፤ እምቅድመ ኵሉ መዋዕል ፤ ወዳግም ልደት እምእግዝእትነ ድንግል ማርያም በድኃሪ መዋዕል”፡
ንወዲ እግዚአብሔር ክልተ ልደት ከም ዘለዎ ክንኣምን ይግበኣና እዩ፤ ቀዳማይ ልደት ቅድሚ ዓለም ወዲ እግዚአብሔር አብ ምዃኑ፤ ካልኣይ ልደት ከኣ ዳሕራይ ጊዜ ካብ እግዚእትነ ማርያም ምውላዱ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
“ወለእመኒ ቃል ሥጋ ኮነ ፤ እመቦ ዘሰገደ ለቃል ናሁ ሰገደ ለሥጋ፤ ወዘሂ ሰገደ ለሥጋ ሰገደ ለእግዚአብሔር ቃል፤ ወከማሁ መላእክትኒ ይትለኣኩ ለአርአያ ሥጋ፤ ወየአምሩ ከመ እግዚኦሙ ውእቱ ወይሰግዱ ሎቱ፡”። ቃል ምስ ሥጋ ብምውህሃዱ ንቓል ዝሰገደ እነሆ ንሥጋ ሰገደ’ውን ንእግዚአብሔር ቃል ሰገደ፤ መላኣኽቲ’ውን ከምኡ ንብሥጋ ዝተገልጸ ይለኣኹ፤ ጐይትኦም ምዃኑ ፈሊጦም ከኣ ይሰግድሉ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)
“ወሶቦሂ ሰቀሉ ኣይሁድ ሥጋሁ ፤ ሰቀሉ ኪያሁ፤ ወአልቦ እም ውስተ መጻሕፍት ፍልጠት ማእከለ ቃል ወሥጋሁ አላ አሐዱ ህላዌ ፤ ወአሐዱ ገጽ ፤ ወአሐዱ ግብር ውእቱ ፤ ኵለንታሁ አምላክ ወውእቱ ኵለንታሁ ብእሲ ወአሐዱ ግብር ዘመለኮት ወዘትስብእት ኅብሩ”። ኣይሁድ ንሥጋኡ ምስ ሰቐሉ ፤ ንቓል’ውን ሰቀሉ፤ ብመጻሕፍቲ ወገን ኣብ ማእከል ቃልን ሥጋኡን ፍልልይ የለን፤ እንታይ ደኣ ሓደ ባሕርይ ፤ ሓደ ግብርን፤ ብዅለንተናኡ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብን እዩ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)
ቃል ሥጋ ኮነ ብኸመይ ነገር ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ፤ ሥጋ ድማ ቃል ከይኮነ ብኸመይ ነገር ናብ ባሕርያዊ ወዱ ኾነ፤ ንመላእኽቲ’ውን ጎይትኦም ንምንታይ ተባህለ፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኢልና እናምን እምበር ብኸም’ዚ ዝበለ ተዋህዶ እዩ። ኣምላኽ ሰብ ከይኮነ ወዲ ኣዳም ድኂኑ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ሰብ’ውን ኣምላኽ ከይኮነ ምእንቲ ደቂ ኣዳም ሓሚሙ ፤ ተሰቒሉ ሞይቱ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ዓርቢ መዓልቲ ተሰቒሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ናይ ጐይታና ሥጋን ደምን እዩ፤ ማለት ናይ ኣምላኽ ሥጋን ደምን እንተ ዘይኮይኑ ናይ መን ጻድቕ ፤ ወይ ሰማዕት ሥጋን ደምን እዩ መሥዋዕት ኮይኑ ንዘልዓለም ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ወሀቢ ሕይወትን ድኅነትን ኮይኑ ዝነብር።
ብኸም’ዚ ዝበለ ናይ ተዋህዶ ምሥጢር ናይ እሳት ብሐይን ኣካልን ተለዊጡ ኃፂን ከይኮነ ፤ ከምኡ ኸኣ ናይ ብርሃን ባሕርይ ተለዊጡ ዕንቍ ከይኮነ፤ በተዕቅቦ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ከም ዝኸውን ከምኡ ድማ መለኮት ምስ ትስብእት፤ ትስብእት ምስ መለኮት ብምውህሃድ ፤ ካብ ክልተ ኣካል ፤ ሓደ ኣካል ፤ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ኮነ። “ወይትሜሰል ወልድ በዕንቈ ባሕርይ እንተ ይእቲ በአማን ኵለንታሃ ብርሃን ፣ ወይትሜሰል ሥጋሁ በሥጋሃ ፤ ወብርሃና በመለኮቱ። ባስልዮስ”፡ በአይ ኣምሳል ይትሜሰል መለኮት በትስብእት ፤ ይቤ ይመስል እሳተ በሕፂን ብንያሚ”
ወልድ በታ ብዅለትናኣ ብርሃን ዝዀነት ዕንቈ ባሕርይ ይምሰል ፤ ሥጋኡ ብሥጋኡ ብርሃና ብመለኮቱ ይምሰል ይብል፡ (ቅዱስ ባስልዩስ ዘኣንጾኪያ) ሓፂን ጸሊም ከሎ ምስ እሳት ብምውህሃዱ ይበርህ ደኣ እምበር ኣይጽልምን፤ እቲ ሓፂን ዝፍለ እንተ ኮነ ፤ መለኮት ግን ካብ ትስብእት ተፈልዩ ኣይብሃልን ይብል። “ናሁ ድንግል ትፅንስ ወትወልድ ወልደ” እንሆ ድንግል ክትፅንስ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ።(ኢሳ።7፡14)
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ እግዚእትነ ማርያም ብኅቱም ድንግልና ምውላዱ ብኸመይ እዩ፧ ንዝብል ንምሳሌ ካብ ዐይኒ ብርሃን ካብ ግንባር ድማ ረሓጽ ብኅቱሙ ከም ዝርከብ፤ ከምኡ ኸኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማኅተመ ድንግልናኣ ከይፈትሐ ብኅቱም ድንግልና ተወልደ። “ተወልደ እም ድንግል እንዘ ኅቱም ድንግልናሃ፤ ከመ ልደተ ንጻሬ አዕይንት፤ ወከመ ልደተ ሐፍ እም ገጽ፤ ወከመ ልደተ መልክዕ እመጽሔት” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበረዲ)
ከምኡ ድማ ናይ ፀሐይ ነጸብራቕ ምስ ማይ ተዋሀሂዱ ዕንቈ ባሐርይ ከም ዝወልድ፤ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ከኣ ምስ ደም ድንግልናኣ ተዋሃሂዱ ብዘይ ዘርኢ ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልናኣ ተወልደ፡ “ወዝኩ ዕንቈ ባሕርይ አኮ በተራክቦ ዘይፀነስ ወይትወልድ፤ ባሕቱ ይትወልድ በተዋሕዶተ መብረቅ ወማይ፡ ወከማሁ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፅንሰ ዘእንበለ ትድምርተ ሥጋ፤ ወኮነ እመንፈስ ቅዱስ ተፅንሶቱ ለእግዚአብሔር ቃል ሥጋ ኮነ” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ኤፍሬም.ኣፍ.በረከት)
ካብ አብን መንፈስ ቅዱስን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ሥጋ ምዃኑ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባሀለ ናይ ዐይኒ ብርሃን ካብ ክበብ ዓይኑ ከይተፈለየ ፤ ምስ ብርሃነ ፅሐይ ተዋሃሂዱ ምሉእ ኰይኑ ከም ዝርኢ፤ ከምኡ ድማ ጐይታና ብመለኮታዊ ባህርዩ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኽምርምር ብዘይከኣል ምሥጢር ከም ቅጽበት ዓይኒ ሰብ ኮነ ፤ ዘይፍለን ዘይምርመርን ዘይፍለጥን ተዋህዶ ኮነ።
“ወመጽአ እንዘ ኢይትፈልጥ እምሕፅነ አቡሁ፤ ሰማያትኒ ወምድር ምሉአን እምኔሁ”። ካብ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ ካብ አብ፤ ካብ ናይ ባሕርይ ሕይወቱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ከይተፈለ ፤ ሰብ ኮነ ፤ ሰብ ድኅሪ ምዃኑ ድማ ሰማይን ምድርን ብእኡ ምሉኣት እዮም ማለት ኣብኣቶም ብምልኣት ህልዊ እዩ። ( ቅዱስ ዮሓንስ. ዘኣንጾኪያ)
“አንተ ውእቱ አምላክ ዘበአማን ፤ ወአንተ ሰብእ ፍጹም ዝእንበለ ሕፅት፤ ወአንተ ውእቱ ዘትነብር ዲበ መንበረ ስብሐቲከ ፤ ወአንተ ዲበ ዕፀ መስቀል” ሓቀኛ ባሕርያዊ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፤ (ሕፀፅ) ጉድለት ዘይብልካ’ውን ፍጹም ሰብ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ መስቀል ምእንቲ ኃጢኣትና ዝተሰቐል ካ’ውን ንስኻ ኢኻ። ኣብ ናይ ጐይትነትካ መንበር እትነብር’ውን ንስኻ ኢኻ። (ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ብድርሳነ ቶማስ) ካብ ብዝኅ ብውኅዱ ምሥጢረ ሥጋዌ እዚ እዩ፡
ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ምስጢረ ጥምቀትን ቁርባንን ኣብ ቀጻሊ ክነቅርብ ኢና